ዚንእደካ የጋግየካ፡ ዚግሥፀካ ይእርመካ
  • መበገሲ ገጽ
  • ግጉይ ትግርኛ
  • መዘናግዒ
  • ብትግርኛ ምጽሓፍ
  • ንክትረኽቡኒ
  • ብሎግ
  • | Change language: ትግርኛ Deutsch English |

    Click here if you can not read the script

    NEW - Blog


    I'm back!







    መርሓባ ተገደስቲ ቋንቋ ትግርኛ

    ነዚ መርበብ‘ዚ ክውጥን ዝደረኸኒ ምኽንያት፡ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ምዕሩይነት እንደገና ንምህናጽ እዩ። እዚ ቋንቋ‘ዚ ጌና መልክዑ ከይለወጠን ከይተበላሸወን ከሎ፡ ብዙሓት ካባኹም ንቋንቋኹም ትግርኛ ባዕልኹም ከይተገንዘብኩም ተጥፍኡ ኣለኹም፡ ምስ ካልኦት ቋንቋታት ስለትሓዋውሱ፡ ስለዚ ከኣ ነቲ ሓድሽ ወለዶኹም ኣዝዩ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ። ብዙሓት ካባኹም ድማ ኤውሮጳውያን ቋንቋታት ካብ ቋንቋኹም ከም ዝበልጹ ትሓስቡ - ክሳብ ሎሚ ካብ መንፈሳዊ ባርነት ስለትሳቐዩ ዘሎኹም።

    ኣደ-ቋንቋኻ ንክትፈልጦ ግድነታዊ እዩ የግዳስ ዝበዛሕኩም ኤርትራውያን ኣደ-ቋንቋ ንምፍላጥ „መንፍዓት“ ወይ „ፍሉይ ክእለት“ ከምምዃኑ ብጌጋ ትርእዩዎ ኣለኹም፥ ስለዚ ከምትጋገዩ‘ውን ኣይትግንዘቡን ኢኹም። መበቈልካ ጽቡቕ እንተ ፈሊጥካዮ ኣተሓሳስባኻ የግፍሖ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ርእሰ-ተኣማምነትካ የደልድሎ እዩ፣ ስለዚ ቀንዲ ኣደ-ቋንቋ (ምስ ጽሕፈቱ) ንክትክእሎ ኣገዳስን ኣድላይን እዩ። ብዛዕባ ምህሮ ትግደሱ እንተድኣ ዄንኩም ትምህርቲ ትግርኛ (ናይ ኩሉ ደረጃ-ክብደት) ክህብ እኽእል እየ። ኣብ ምትርጓም ከኣ ጸገም የብለይን፦ እንግሊዝኛን ጀርመንኛን ብሉጽ ጌረ እኽእል‘የ ኣብ ጀርመን ተወሊደ ስለዝዓበኹ። ሰባት ካብ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን ደሃይ ክትገብሩለይ እንተዄንኩም ትምህርቲ ክኸፍት ምኸኣልኩ።

    ኣብ ወጻኢ እንተ ደኣ ትነብሩ ዄንኩም፡ ጽሕፈትኩምን ቋንቋኹምን መንነትኩምን ክትዕቀቡ እንተ ደሊኹም ናትኩም ተሓታትነት እዩ። ኣብ ዝኾነ ሰብ መንነት እቲ ዝኸበረ እዩ፡ እቶም ኣብዚ ዝተወልዱ ዘሕዝኑኻ ደቂ ትግርኛ ግን መንነቶም ብሰንኪ ወለድኦም ኣጥፊኦሞ። እታ ሓቂ እንተ ደኣ መሪራትኩም፡ ዝያዳ ርእሰ-ነቐፌታ የድልየኩም እዩ!
    ብዝተረፈ ከኣ እዚ መልእኽቲ'ዚ ናብ ትግርኛ ተዛረብቲ እንተትዘርግሑ ኮይንኩም ምስተሓጐስኩ ኔረ።

    ብዝኾነ ሰሰናዩ!

    ካብ ዮሃንስ ሩፋኤል ቩልክ